(ንሃገራዊናጽነትንምጥፋእዝዓለመኣብቀረባእዋናትዝግበርዘሎምንቅስቓሳትዝምልከትመርገጺ(ፈዲሰኤ) (EFDP

ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ

ንሃገራዊ ናጽነት ንምጥፋእ ዝዓለመ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ዝምልከት መርገጺ (ፈዲሰኤ) (EFDP)

ነቲ ብገለ ስምዒት ኢትዮጵያዊ ሃገራውነት ዝቅስቕሱ ባእታታትን ጠበቓታት ኣንድነት ዝኾኑ ከም ዶክቶር በረኸት ሃብተስላሴን ዶክቶር ተስፋጼን ሃብተስላሴን ዝምርሑ ምሁራትን “ሓድነት ምስ ኢትዮጵያ” ንዝብልዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ኣጥቢቅና ንከታተሎ ኣለና።  እዞም ባእታታት ነቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ ባህላዊ፡ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ተመሳሳልነት ኣለና” ዝብል ዘይክውንነታዊ ምኽንያት ብምፍጣር ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ብምፍራስን ምድምሳስን፡ ንሓድነት ዝጽውዕ ጎስጓሳት ብመልክዕ ኣኼባታት፡ ሲምፖዝየማትን ርክባትን የካይዱ ኣለዉ።

እዚ ተመሳሳልነት “ባህሊ፡ ታሪኽን ሃይማኖትን” እናተባህለ በዞም ባእታታት ዝጭራሕ ዘሎ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ምልሓቅ ፈተነን ምኽኒትን፡ ነቲ ታሪኻዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታውን ብሄራውን ብዙሕነት ህዝብታት’ቲ ከባቢ ብሓፈሻ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ብፍላይ ኮነ ኢልካ ንምብካሉን ንምጥፍኡን ዝዓለመ ምዃኑ የንጸባርቕ።

እዚ ኣብ ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ተወላዋልን ተጠራጣርን ባህርያት ብዘለዎም ባእታታት ዝካየድ ዘሎ ናይ ክሕደት ምንቅስቓስ፡ ወገናዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ`ዩ። ወላኳ ብኣባልገታቱ “መጸዋዕታ ዕርቕን ሰላምን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን” ብዝብል ምልኩዕ ጭርሖ ክጉልበብ እንተተፈተነ፣ በንጻሩ ንስለ ሰላምን ሓባራዊ ህላዌን ዝጽውዕ ኣይኮነን። እዚ ናይ ክሕደት ምንቅስቓስ`ዚ፡ ንውግእን ዘይርግኡነትን ዝጽውዕ ፕሮጀክት`ዩ። ምኽንያቱ ብሓጺር ኣገላልጻ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱ፡ ንብረቱን ጸጋታቱን ዝበጀወሉ፡ ሃገራዊ ናጽነት፡ ግዝኣታዊ ዶባትን ሕጋዊ መሰልን ዝነጽግ ስለ ዝኾነ። እዚ፡ ደግሲ ናይቲ ኣብ ሓምሳታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ዝተቀላቀለ ተመሳሳሊ ሃቀናታት ኮይኑ፡  ምስ ሓይልን ብርታዐን ቃልሲ ንናጽነት ዝበርዓነ`ዩ።

ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ  ናይ መወዳእታን ንድሕሪት ዘይምለስን ውሳነ`ዩ። በቲ ብ1961 ዝጀመረን ብ1991 ክሳብ ዝዛዘም ዝተኻየደ ቃልሲ ንናጽነትን ዝፈሰሰ ደም ሰማእታት ዝተረጋገጸ`ኳ እንተኾነ፣ ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላውነትን በቲ ካብ 23-25 ሚያዝያ 1993 ዝተኻየደ ህዝባዊ ረፈረንዱም ሕጋውነት ለቢሱ። እዚ ብተዓዛብነት እቲ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣዋጅ 47/114 ናይ ታሕሳስ 16, 1992 ዝተመዘዘ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ረፈርንዱም 99.83% እወ ንናጽነት ብምድማጽ ተኾሊዑ። እንተኾነ ብሰንኪ`ቲ ህዝባውነት ዝጎደሎ ፖሊሲታት ጨቋኒ ስርዓት ኢሰያስ ንባህርያት ፖለቲካዊ ጽግዕተኛነትን ከምኡ ድማ ናይ ጥልመትን ክሕደትን ምንቅስቓሳት ብዘይሕንከትን ሕፍረትን ከም ዝቀላቐል ገይርዎ።

በዚ “ሓድነትን ውህደትን ምስ ኢትዮጵያ” ዝብል ካርታ ምጽዋት ሰላምን ርግኣትን ህዝብታት ክልቴን ሃገራት ዘምጽእ ዘይኮነስ፡ ንውግእ፡ ሞትን ዕንወትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ምጅማር ዘቀላጥፍ ቅሙጥ ቅብሊት`ዩ። ንሕና፡ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ (ፈዲሰኤ)፡ እዞም ካብ ህዝቢ ዝተገለሉ ናይ ክሕደት ምንቅስቓሳት ዝቋመርዎ ፖለቲካዊ ጸወታ ኣንጻር ዝተወቅረ ታሪኻዊ ሓቒ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ብምእማን፡ ኩሎም ዓቕሚ ዘለዎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣንጻር እዚ ምንቅስቓሳት`ዚ ዘየላቡን ግብራውን ስጉምትታት ብምውሳድ ነቲ ሰላማዊ ዝኾነ ህዝብታት ኽልቲአን ሃገራት ካብ ኣንፈት ጽልሙት ጎደና ከድሕኑ ንጽውዕ። ብፍላይ ድማ ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ዓሊ ኣሕመድ ዝውከል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንምኽባር ልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዘለዎ መርገጺ ብንጹር ከቐምጥን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ተጠራጣርን ኣደናጋርን ሃዋሁ ከብርህን፣ ብፍላይ ድማ ነቲ መራሕ ሃገር ነበር ግርማ ወልደጊዮርጊስ ዝተሳተፎን ንሓድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጽውዕ ኣብ ኣዲሳበባ ዝተኻየደ ኣኼባን ኣሉታዊ ጽልዋታቱን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ሕማቕ ስሚዒታትን ክኣሊ ንጽውዕ።

ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ (ፈዲሰኤ)፡ ነዚ እዋናዊ ናይ ክሕደትን ጥልመትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኣትሪሩ ይዂንን። ንብምልኦም ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ትካላት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ተማጐቲ ሰብኣዊ መሰላትን ህዝባዊ ማእከላትን ኣንጻር’ዚ ኣብ ሃገራዊ ናጽነትና ዘነጻጸረ ኣረሜናዊ መጥቃዕትታትን ናይ ክሕደት ምንቅስቓሳትን ንምብድሁን ምፍሻሉን ዝሕግዝ ሓባራዊ ዘየወላውል  መርገጺ ክንወስድ ይጽውዕ። እዚ ንደም ስዉኣትና ዘፋዂስን ንናጽነት ሃገርና  ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ጥፉሽ ፖለቲካዊ ናይ ክሕደት ምንቅስቓስን ንህዝብናን ሃገርናን  ኣጋጢሙ ዘሎ ህሉው ኩነታትን ምስቲ ንኤርትራዊ ቃልሲ ንሓርነት ዝወለደ ሽግራት ዝመሳሰል ምዃኑ ንኣምን።

ይዂን ደኣ’ምበር ንሕና ፈደራላዊ ዲሚክራሲ ሰልፊ ኤርትራ  (ፈዲሰኤ)፡  ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ባህሊ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ፡ ምሕዝነት ሰላምን ምድግጋፍን ንኽምዕብል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ድሉዋት ኢና። እንተኾነ እዚ ኣምር`ዚ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመርኮሰ ሓድሕዳዊ ምክብባር ልኡላዊ ግዝኣት መሬት ደኣ`ምበር ብኣካይዳቶም ካብ ሓቂ ርሒቆም ዝንቀሳቐሱ ምሁራት ባእታታት ኣይኮነን። ነዚ ክንብል እንከሎና ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ተመሳሳሊ መርገጽን ስምዒትን ከም ዘለዎን ንመርገጺና ከም ዝድግፎም ከም ዘኽብሮን ብምትእምማን ኢና።

ሓራን ናጻን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር፡ ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ንምሉእ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቓ

ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ

ፈጻሚት ኮሚተ

03 ግንቦት  2018

عن محرر

اضف رد

لن يتم نشر البريد الإلكتروني . الحقول المطلوبة مشار لها بـ *

*